በስመ ሥላሴ!
ኣካል ቤተክርስቲያን መንእሰይ ወለዶ ንቤተክርስቲያኑ ክፈልጥን ተተካኤ ወለዶ ንምፍራይን ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት ንኡስ ሃገረ ስብከት ዕዮኡ የሰላስል ኣሎ።
ካብ ኣቦና ካብ እግዚኣብሔር ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋን ሰላምን ምስኩላትኩም ይኹን ቤተሰብ።
ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ተቐሚጥልኩም ዘሎ ኦርቶዶክሳዊ ትምህርትን ሰርዓተ እምልኾን ሓሉዩ ዝወሃብ ተኸታታሊ ትምህርትን መንፈሳዊ ስልጠናታትን ንምክትታል ክትክእሉን ብሚድያ ተታሒዙ ዘሎ ወገን ብሚድያ ንምብጻሕ መታን ክሕግዝ ኩላትኩም ነዛ ናይ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብርጣንያ መንፈሳዊት ቻናል ቤተሰብ ኩኑ ንምሃር ሓቢርና ንዕበ መታን ክንመሓር።
በዚ ቻናል ዝመሓላላፉ ዘለዉ መንፈሳዊ ስልጠናታት፦
1. ኣዕማደ ምሥጢር
2. ምሥጢራተ ቤተክርስቲያን
3. ኦርቶዶክሳዊ ነገረ ድሕነት
4. ታሪኽ ቤተክርስቲያን ኣብ መድረኽ ዓለም
5. ኦርቶዶክሳዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ
6. ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ክርስቲያናዊ ሓዳር (ኣብ ሓዳር ዝፍጠሩ ሽግራትን መፍትሒታቶምን ኣፈታትሕኡን)
ከምኡ ዉን ብቛንቛ ናይዚ ንነብረሉ ዓዲ ኣብዚ ተወሊዶም ንዝዓበዩኮነ ኣብዚ ነዊሕ ብምጽማሕ በዚ ቋንቛ እንግሊዝ ንርዳእ ዝቐሎም ካብ 7ይ ክፍሊ ክሳብ 10ይ ክፍሊ ንዝበጽሑ ኣብ ሓደ መደብ ከምኡ ዉን ካብ 11 ክፍሊ ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ዘለዉ መንእሰያት ዝግበኦም ዝምጥኖም ትምህርቲ ተዳልይሎም ካብዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ከምዘሎን ደቕኹም ከተምዝግቡን ንመመዝገቢ ዝኸዉን ሓበሬታ ካብቲ ኮሚተ ትምህርቲ ሰንበት ሓላፊ ማሕበርኩም ክትዉከሱን ቅጥዒ ምዝገባ ኣማሊእኩም ክትድመሩን መርሓባ ንብል።
ብግዚኡን ንዘይግዚኡ ጽናዕ ኣገልግሎትካ ፈጽም ግበሪ ወንጌላዊ ግበር።